ብዛዕባና
ቅዱስ ኡራኤል ቤተ ክርስቲያን መቐመጢኡ ኣብ ካልጋሪን ካልኦትን ዝኾነ ንጡፍ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ካብ ናይ ኣምልኾ ቦታ ንላዕሊ እምነትን ትውፊትን ኣገልግሎትን ዝራኸብሉ ተቐባሊት ማሕበረሰብ እያ። ብፀሎት፡ መዝሙር፡ ምሥጢራትን ርህሩህ ክንክንን ንውልቀሰባትን ስድራቤታትን-ብፍላይ ንሓደሽቲ መፃእቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህፃናትን መንእሰያትን ንድግፍ። ከም ምዝጉብ ትካል ገባሪ ሰናይ መጠን፡ ኣብ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመስረተ መንፈሳዊ ዕብየት፡ ስምዒታዊ ፅንዓትን ማሕበራዊ ደሕንነትን ንምሕብሓብ ቃል ኣቲና ኣለና።
እምነት ዝድልድለሉን ትውፊት ዝኽበርሉን ህይወት ብትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝልወጠሉን ተቐባሊን መንፈሳዊ ፍልጠት ሃዋህው ንምምዕባል።
ተልእኾና
ራእይና
ኣብ ካልጋሪ ዝርከብ ድልዱልን ስሙርን ኦርቶዶክሳዊ ማሕበረሰብ፣ ንኣገልግሎት፣ ኣምልኾን መንፈሳዊ ምዕባለ ኩሉ ወለዶታትን ተወፋይነት ዘለዎ እዩ።
መበቆልናን ታሪኽናን
-

ፀሎተ ሃይማኖት
ፀሎተ ሃይማኖት መሰረታዊ ፅማቕ እምነት ይህብ። ፀሎተ ሃይማኖት ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ቤተ ክርስቲያንን ዝምልከት ኣገደስቲ እምነታት ይዝርዝር።
-

ሓሙሽተ ኣዕማደ ምስጢር (ዶግማ)
ዶግማታት ካብ ፀሎተ ሃይማኖት ዝመፀን ብዝያዳ ብጉባኤታትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያን ዝግለፅ ወግዓዊን ስልጣን ዘለዎን ትምህርቲ እዩ።
-

ምሥጢራት
ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ፀጋ እተመሓላልፈሉን ንኣመንቲ ምስቲ ኣብ ፀሎተ ሃይማኖት ዝእመንን ብዶግማ ዝተገልፀን ምስጢራት ቀጥታዊ ተሳትፎ እተእትወሉን ዝርአን ስርዓታዊ ተግባራት እዩ።
"ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ።" – ማቴ 18፡20
ብፅሑና
355 Riverglen Dr South East, Calgary, AB, T2C 3H7, Canada | Sunday, 6am–11am
